ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓዱሽ መጥቃዕትታት ከፊታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢራን ኣብ ልዕሊ ብመጻብቦ ሆርሙዝ እትሓልፍ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ገሊጻ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ነቲ መስመር ማይ ከም ዝዓጸዎን ን"ወራር" ኣመሪካ ከቢድ ምላሽ ከም ዝህብን ኣጠንቒቑ'ሎ።
መጥቃዕቲ ኣመሪካ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ መደበር ኣመሪካ ከምዝሃረመ ክገልጽ እንከሎ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቀጠር፡ ኩዌትን ባሕሬንን ኩለን ካብ ኢራን ንዝተወንጨፉ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ምላሽ ይህባ ኣለዋ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ባንዴራ ቆጵሮስ እተንበልብል ኣብ ዝነበረት መርከብ "ብግልጺ መጥቃዕቲ" ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣብዚ ሰሙን ሳልሳይ ዙርያ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ወሲኹ'ውን እታ ኤምቪ ጂኤፍኤስ ጋላክሲ ብዝብል እትጽዋዕ መርከብ፡ ኣብ ክፍሊ ሞተር ብዝተፈጥረ ርኡይ ጉድኣት "ጉዕዞኣ ክትቅጽል ከምዘይከኣለት" ብምግላጽ፡ ሓደ ሲቪላዊ ኣባል እታ መርከብ ደሃዩ ከም ዝጠፍአ ሓቢሩ።
መጥቃዕቲ ኣመሪካ ናይ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ቦታታት፡ ናይ መራኸቢ መርበባትን ናይ ገማግም ባሕሪ ምክትታል ቦታታትን ዘጠቓልል 140 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ከምዝወቕዐን ኣመልኪቱ።
ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ኣብ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባታት ከምዝተሳገሩ ካብ ወተሃደራዊ ሰብመዚ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ገሊጹ።
ሴንትኮም ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ መግለጺ፡ "ኢራን ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ተሓታቲት ድሕሪ ምዃኑ፡ ነቲ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ንምኽባር ካልእ ዕድል ተዋሂብዋ'ዩ፡ እንተኾነ ግን መሊሳ ፈሺላ" ይብል።
እቲ መግለጺ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት እውን ዘካፈሎ ኰይኑ፡ ንሱ'ውን ብወገኑ "ኢራን ድኹም ምርጫ ገይራ። ሕጂ ዋጋኣ ትረከብ ኣላ" ክብል ጽሒፉ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ "ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መደበራት ገማግም ባሕርን ግምብታት ቴሌኮሙኒኬሽንን" ዒላማ ከምዝገበረት ገሊጹ።
ከም ግብረ መልሲ ድማ ኢራን "ቀዳማይ ምዕራፍ" ሕነ ምፍዳይ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣየር ልኡል ሓሰን መጥቃዕቲ ዘጠቓለለ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ማእከል ትእዛዝን ቁጽጽርን ናይቲ መደበርን ሃንጋራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኤምኪው9 ከምዘዕነወቶን ገሊጻ።
ኣቐዲሙ ሎሚ ሰንበት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኢራን ኣብ ዘይተፈቕደ መስመር ክትጓዓዝ ኣብ ዝፈተነት መርከብ ብሚሳይል ድሕሪ ምህራማ ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ከምዝዓጸወት ገሊጸን ነይረን።
ተደጋጋሚ መምርሒታት ዕሽሽ ብምባል "ብናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ ተሃሪማ ደው ኢላ" ይብል እቲ ኣብ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝተመሓላለፈ መግለጺ።
ብተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ኣመሪካ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ "ብኽብደት" ምላሽ ከምዝወሃቦን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሓደስቲ መደበራት ዒላማ ከምዝኾናን ኣጠንቂቑ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሰለስተ ንግዳዊ ታንከራት ብማያት ኦማን ኣቢለን ብኣሜሪካ ዝመኸረቶ መስመር ክሰግራ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን መጥቃዕቲ በጺሕወን እዩ።
ኢራን ብተደጋጋሚ እቲ እንኮ "ውሑስ" መስመር ብማያታ ዝሓልፍ ፍሉይ መስመር ምዃኑ ገሊጻ'ያ።
እዚ ፍጻመ ካብ ኣመሪካ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ከምዘስዓበን 17 ሰባት ከምዝሞቱን 115 ድማ ከምዝቖሰሉን ሰበስልጣን ኢራን ገሊጾም።
ኢራን ድማ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ትህብ ኣላ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
